ሓሳባት ኣብ
''ካብ ባህ ዘዝበለና ክልተ ኩርናዓት ንበገስ:
ጉዕዞና ናብቲ ዝተረፈ ሳልሳይ ጫፍ'ዩ''
ምስክር:- ''መርሓባ ሽኮሪና!''
ምስክር:- ''ሰላም'ባ ዓባይ ሰብ''
ስምረት:- ''ዓቢ እምኒ ይጽቀትካ። እንታይ ሰላም መባህልተይ ኮይንካ ኢኻ ሰላም ትብለኒ''
ምስክር:- '' እው... ይ ብንእሽተይኪ ክንድዚ መርገም? መሳኪን: ንደቅኽስ ሰበይቲ-ኣቦ ይፍጠረሎም እዩ ዘብል።''
ስምረት:- ''ኪድ ኪድ ጥራይ: ፓፓጋሎ ዋሕድ''
ምስክር:- ''ጽብቕቲ! እንታይ ኣምጸኦ ደኣ ክንድዚ ጸርፊ?''
ስምረት:- ''እዚ ከማን ክውሕደኩም ነዓኹምሲ። እንታይ ኢኹም ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢእኩም ሰብ ትብጽብጹ : ናትካ picture ግዳ ዘይትገብር እንታይ ጉማማ ዲኻ?''
ምስክር:- ''ሃ ሃ ሃ ሃ ኺድ ደሓን'የ ብዙሕሲ ኣየክፍን: ከመይ ኢኺ ንስኺ ኸ? ከም መልሓስኪ ድኺ ዋላ...?''
ስምረት:- " በጋሚንዶ ኢኻ መስለኒ ?"
ምስክር:- "እዋእ... ኣብ ምንታይ ረኺብክኒ ጋለይ?"
ስምረት:- "ኣነን ንስኻን ደኣ እንታይ ዘራኽብ ሃልዩና ክንራኸብ"?
ምስክር:- "ዕድመን ጥዕናን ጥራይ'በር ዘራኽብሲ... መሊኡ።"
ስምረት:- "ዕድመይ ሰለስተ ዕጽፊ እንተዝውስኽ'ውን ምሳኻ ዘራኽብሲ ኣየምጽኣለይ ወደይ።"
ምስክር:- "እዋእ... ሓያል ጋል ኢኺ ትመስሊ...''
ስምረት:- "ሓይለይን ድኻመይን እሞ ኣበይ ረኺብካ መዚንካዮ?"
ምስክር:- "እርእየኪ ዶ የለኹን። ደሓር ከኣ እዚውን እኮ ምርካብ እዩ።"
ስምረት:- " እሞ ሓይለይሲ በዚ መዚንካዮ በሊሕ ወዲ ኢኻ"
ምስክር:- " ምውርዛይ እሞ ይጽነሓልኪ: ትርር ኢልኪ ኢኺ ማለትይ'የ። ኣለኺ ምሽ... ከምዚ ቀራን ጋል ዓይነት... ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ..."
ስምረት:- " እንታይ ደኣ'ሞ ጎቦ ጎቦ ኣበለካ: 'ነግራም ኢኺ' ዘይትብል። መዓንጣ የላን መስለኒ: ወድን ፈራሕን ከማን ክጽላኣኒ መዓት'ዩ።
ምስክር:- " ሓቅኺ ጥንቁቕ'ምበር ፈራሕ'ሲ ኣነ'ውን ኣይፈቱን።"
ስምረት:- " እንታይ ደኣ'ሞ ከምዞም ሕልኩሳት ሕልክስክስ ትብል: ክትብሎ ዝደለኻ ድፍር ኢልካ ዘይትዛረብ።?"
ምስክር:- "ድፍረትስ መዓስ እፈቱ ኮይነ?"
ስምረት:- "እሞ ኣይ ዉዑይ ኣይ ዝሑል ደኣ ንኹነታት'ምበር ንሰብ ዘይጽቡቕ። 'ፈራሕ ኣይሞተ ደፋር ኣይሞተ ላንጋ ላንጋ ሞተ' ክበሃል ኣይሰማዕካን ድኻ?"
ምስክር:- ''ፈራሕ ኣይሞተ ተባዕ ኣይሞተ ላንጋ ላንጋ ሞተ' እዩ ዝበሃል። ተደርብሽኪ ሽኮርና"
ስምረት:- " እንታይ መሊእካላ ማለት'ዩ ሕጂ 'ደፋርን ተባዕን' ኩሉ ሓደ እንድዩ?''
ምስክር:- '' ኖ ኖ ኖ ኖ... ደፋርን ተባዕን ደኣ በበይኑ'ምበር።
ደፋር:- ብዘይ ዓቕምን ምስትውዓልን: ኣብ ዘይእዋኑን ኣብ ዘይቦቱኡን: ብዘይ ስርዓት ባህ ዝበሎ ዝዛረብ ወይ ዝገብር ማለት'ዩ። ብኣበሃህላ ዓድና 'ስዲ'።''
ተባዕ:- ''ዝዛረቦን ዝገብሮን ዝፈልጥ። ትሑት'ምበር ዘይፈርሕ። ምእዙዝ ግን ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዎ። ዓቕለኛ ግን ከኣ ወሳኒ ማለት'ዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ 'ጅግና' ''
ስምረት:- ''ካብ አግሪ መልሓስ ትዕንቀፍ እንድዩ... ሓቂ ይሓይሽ ግን ክሳብ ክንድዚ ፍልልይ ዘለዎስ ይመስለኒ ኣይነበረን።''
ምስክር:- ''ብዙሕ አዋን: ንቋንቋና ብንዕቀት ስለ እንርእዮ ንቃላት ትግርኛ ኣይነስተብሕለሎምን። ክንጥቀመሎም እንከለና'ውን ከምኡ።''
ስምረት:- ''ኣዘራርባኻ ደሓን ትመስል ግን ካብዞም ኣድብዮም ዝጸንሑ ኢኻ መስለኒ?''
ምስክር:- ''ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ... ኣቲ ንስኽስ ዘይትብልዮ የብልክን: ኣድብዮም ዝጸንሑኸ ከመይ ዝበሉ እዮም?''
ስምረት:- ''ኣድብዮም ዝጸንሑ ደኣ... ኣድብዮም ዝጸንሑ። እዚዶ ነዓኻ ጠፊኡካ? ምልከት ቋንቋኻ ኣብ ትግርኛ መቸም ኣጸቢቐ ኣረጋጊጸ ኣለኹ።''
ምስክር:- ''ትሕሽዮ ደኣ... ንናአዳን ጸርፍን መቸም ኣብ ቀረባ ኢኺ። ክበርሃለይ ዝደለኹዎ ግን: ትርጉም ናይቲ ቃል ዘይኮነ: ዕምቆት ናይቲ ሓሳብ'ዩ።''
ስምረት:- ''ንሱስ መዓስ ጠፊኡካ ኮይኑ?''
ምስክር:- ''ስምረት ትሙት...። ናይ ብልበይ አየ።
ስምረት:- ''ደ...ፋር ንባዕልኻ ጋ...ሕ ዘይትብል። አዋ...እ።''
ምስክር:- ''ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ... ሕጂ ሓቅኺ: ቁ ...ሩብ ደፊረ። ግን ከም ዘይተረዳኣኒ ንኸረጋግጸልኪ ኢለ እየ። ንገርኒ ግዳ።
ስምረት:- ''ከምዚ ምሽ ኣለካ.. ክዛረቡ እንከለዉ ዓበይቲ ሰባት ዝመስሉ ግን ውሽጦም ባኮታት: ወይ ተግባሮም ክፉእ አንከሎ መሳኪን ዝመስሉ ደናኒቶታት...''
ምስክር:- ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ... ሞይተ ሞይተ ሃ ሃ ሃ ኣቲ እንታይ ኢኺ መኽዘን ጸርፊ: ቅሰኒ በሊ ካብኣታቶምሲ ኣይኮንኩን። ደሓር ድማ ብዛዕባ ቋንቋ'ምበር ብዛዕባ ቅንዕናን ተንኮልን ከማን ዘይተዛረብና''
ስምረት:- '' ብኣጠቓቕማ ቋንቋ ዓብሊልናዮ'ምበር ዕላልናስ ንሱ'ዩ። ሓቂ የሓይሽ: ቁሩብ ደፊእካ ምስ ኣዕለልካኒ'ምበር ፈለማስ ቅጭ ኢኻ ኣምጺእካለይ ነይርካ። እንታይ ክገብርከ add ገይረዮ ኢለ unfriend ክገብረካ'የ ሓሲበ ነይረ። ሙኻን ንሱስ ሕጂ'ውን ዝተርፈካ ኣይመስለንን።''
ምስክር:- '' ተጸሚምኪ ተዕልልኒ ከምዘለኺኮ ይርደኣኒ'ሎ። ክሳብ ክንድዚ ነዓይ ዘጽለኣኪ ምኽንያት ግን ኣይተረደኣንን። እንተዘይተጋግየ ቅድሚ ሎሚ chat ጌርና ይንፈልጥን። ዶ... ሳክት ኬፍ ምሃብ እየ ኣብየኪ?''
ስምረት:- ''ፍሉጥ'ንድዩ ሓደ ዓይነት ርድኢት ከምዘይብልና። ኣተሓሳስባናን ዕላማናን በበይኑ ሙኻኑ ስለ ዝነጸረለይ ብጥዑይ መንፈስ ምሳኻ ከዕልል ኣይክእልን። ሓደ ዓይነት ሰባት ኣይኮንናን።''
ምስክር:- ''አዋእ..ጌና ብዛዕባ ሓደ ንጹር ኣርእስቲ'ካ ከየዕለልና ኣተሓሳስባናን ዕላማናን ዘይምስናዩ ብኸመይ ፈሊጥኪ ?''
ስምረት:- ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘየብሎም ሰባት ብሓባር ከዛርቦም ዝኽእል ኣርእስቲ የለን። ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ከምዘይብልና ድማ profile picture ናን album ናን ምስክር'ዩ።
ምስክር:- ''እዚ'ሞ ኣብ ሓደ ነገር: ሓደ ዓይነት ኣረዳድኣ ከምዘይብልና'ምበር ሓደ ናይ ዘይሙኻና መረጋገጽ ኣይኮነን።''
ስምረት:- ''ኣንታ ሓወይ.. ኣረዳድኣና በበይኑ እነተኾይኑ ደኣ'ሞ ሓደ ዝገብረና እንታይ'ዩ?''
ምስክር:- ''ርድኢትና ተፈላልዩ ዘሎ ብሓደ ምክንያት'ዩ። አዚ ማለት ድማ: ንሓደ ነገር ብበበይኑ ኣጠማምታ ስለ ዝተዓዘብናዮ: ርድኢትና ኣብቲ ነገር ብኡ መንጽር ገፊሑን ተፈላልዩን ክኸውን ይኽእል። ኣነን ንስኽን: ክለተ ሰባት: ርድኢትና ድማ በበይኑ ደኣ ይኹን'ምበር: ክልቴና ናብ ሓደ ነገር ኢና እንጥምት ዘለና። ቅርጽና ድማ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስሉስ ኩርናዕ'ዩ። እንካብ ባህ ዘዝበለና ክልተ ኩርናዓት ንበገስ: ጉዕዞና ናብቲ ዝተረፈ ሳልሳይ ጫፍ'ዩ። ኣብ ውሽጥና ድማ ብዙሓት ስሉሳት ኩርናዓት ኣለዉ። ኣብቲ ጫፍ ንምብጻሕ ዝመረጽናዮ መንገዲ ዝተፈላለየ ደኣ ይኹን'ምበር ርሕቀቱ ማዕረ'ዩ: ጉዕዞ ናይቲ ሓደ ካብቲ ናይ ካልእ ዝናዋሕ ናብቲ ውሽጠዋይ ስሉስ ኩርናዕ ምስ ዝእለ'ዩ።
ስምረት:- እቲ ሓደ ነቲ ኻልእ ብፍላጥ ናብቲ ውሽጠዋይ እንተ ኣእተዎ ወይ ከም ዝኣቱ እንተገብሮኸ?''
ምስክር:- እቲ ከምኡ ዝገብር እቲ ዝዓሸወ'ዩ። ንበይንኻ ከይድካ ንበይንኻ ትነብሮ ዓለምስ ይትረፍ: ትነብረሉ ከተማ ዑሙር ክነሱ ንበይንኻ ኣብ ጽሙው ገዛ ምቕማጥ ምረቱ ዘየጽተውዓለ'ዩ።
ስምረት:- ''እሞ... ናብ ሓደ ቦታ ዝተበገሱ ክልተ ዝተፈላልዩ ሰባት ኢና ማለት'ዩ።''
ምስክር:- ''ኖ ኖ ኖ ኖ ብፍጹም። ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ ሓደ ቦታ ክበጽሑ ዝደለዩ ሓደ ዓይነት ሰባት እና።''
ስምረት:- ''ኣነ ግን በዚ ኣይሰማማዕን። ሓደ ዝገብረና አቲ መንገድና'ውን ሓደ ምስዝኸውን እምበር እቲ ድልየትና ጥራይ ኣይብልን። ስለዚ ሓደ ክንከውን ናይ ሓዴና ርድኢት ተሳዒሩ ክጎድል ኣለዎ። ሽዑ ሓደ ርድኢት: ሓደ ድልየት ዘለዎም ሓደ ዓይነት ሰባት ንኸውን።''
ምስክር:- ''ኣይፋሉን። ክልቴና ብዘይ ነናትና ርድኢት 2 ዓይነት ሰባት እና። ሓዴና ብዘይ ርድኢት ከኣ ½ (ጎዶሎ'ዩ።) ክልቴና መምስ ርድኢትና ግን 1(ሙሉእ) ንኸውን።''
ስምረት:- ''ንሙኻኑ ቁጽሪ ተማሂርካ ዶ? ኣነ ግን 1 ምስ 1 ምስ ዝድመር = 2 ካብ ክልተ 1ምስ ዝጎድል ድማ= 1 እየ ተማህረ።''
ምስክር:- ''እዚ ቁጽርታት ክድመሩን ክጎድሉን ከለዉ እትረኽቦ ውጽኢት'ዩ። ናይ ፍቅር ወይ ናይ ዕላማ መማህራን ድማ ኣሕዋት መምስ ሓሳባቶም ክድመሩ እንከለዉ: እቲ ውጽኢት ኩሉ ግዜ= 1 ይኸውን: እዮም ዝብሉ። ኣብ ዕላማ 1+1= 1'ዩ።''
ስምረት:- ''oh my god! ኣታ ሰዓት ክንደይ ከም ዝኾነ ፈሊጥካ ዶ? በል በል በል ደሓን ሕደር ንጎሆ አየ ክትንስእ: ጽባሕ ናይ ምሸት online እንተሊኻ ክንራኸብ ኢና።'' profile pictureካ ግን ቀይሮ ሓራይ ዶ?
ምስክር:- ''ንሱ ደኣ'ሞ ምስክር ርድእተይ እንድዩ ብምንታይ ክልለ? ብዝኾነ ጽባሕ ኣይጥዕመንን። ዝመጽእ ቀዳም ናይ ምሸት ግን ኣለኹ።''
ስምረት:- ''ሓራይ በል ብሩኽ ለይቲ 'ተባዕ' መዓረይ ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ :-)
ምስክር:- ''ሰላም ለይቲ: ደፋር ነብሲ ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ "