Friday, October 19, 2012

ሓሳባት ኣብ 
                                                                                                         
''ካብ ባህ ዘዝበለና ክልተ ኩርናዓት ንበገስ: 
ጉዕዞና ናብቲ ዝተረፈ ሳልሳይ ጫፍ'ዩ''

ምስክር:-   ''መርሓባ ሽኮሪና!''
ምስክር:-   ''ሰላም'ባ ዓባይ ሰብ''
ስምረት:-   ''ዓቢ እምኒ ይጽቀትካ። እንታይ ሰላም መባህልተይ ኮይንካ ኢኻ ሰላም ትብለኒ''
ምስክር:-   '' እው... ይ ብንእሽተይኪ ክንድዚ መርገም?  መሳኪን: ንደቅኽስ ሰበይቲ-ኣቦ ይፍጠረሎም እዩ ዘብል።''

ስምረት:-   ''ኪድ ኪድ ጥራይ: ፓፓጋሎ ዋሕድ''

ምስክር:-   ''ጽብቕቲ! እንታይ ኣምጸኦ ደኣ ክንድዚ ጸርፊ?''
ስምረት:-   ''እዚ ከማን ክውሕደኩም ነዓኹምሲ። እንታይ ኢኹም ብድሕሪ መጋረጃ ተሓቢእኩም ሰብ ትብጽብጹ : ናትካ picture ግዳ ዘይትገብር እንታይ ጉማማ  ዲኻ?''

ምስክር:-   ''ሃ ሃ ሃ ሃ ኺድ ደሓን'የ ብዙሕሲ ኣየክፍን: ከመይ ኢኺ ንስኺ ኸ? ከም መልሓስኪ ድኺ ዋላ...?''
ስምረት:-   " በጋሚንዶ ኢኻ መስለኒ ?"
ምስክር:-   "እዋእ... ኣብ ምንታይ  ረኺብክኒ ጋለይ?"

ስምረት:-   "ኣነን ንስኻን ደኣ እንታይ ዘራኽብ ሃልዩና ክንራኸብ"?
ምስክር:-   "ዕድመን ጥዕናን ጥራይ'በር ዘራኽብሲ... መሊኡ።"
ስምረት:-   "ዕድመይ ሰለስተ ዕጽፊ እንተዝውስኽ'ውን ምሳኻ ዘራኽብሲ ኣየምጽኣለይ ወደይ።"
 ምስክር:-   "እዋእ... ሓያል ጋል  ኢኺ ትመስሊ...''
ስምረት:-  "ሓይለይን ድኻመይን እሞ ኣበይ ረኺብካ መዚንካዮ?"
ምስክር:-  "እርእየኪ ዶ የለኹን። ደሓር ከኣ እዚውን እኮ ምርካብ እዩ።"
ስምረት:-  " እሞ ሓይለይሲ በዚ መዚንካዮ በሊሕ ወዲ ኢኻ"
ምስክር:-  " ምውርዛይ እሞ ይጽነሓልኪ: ትርር ኢልኪ ኢኺ ማለትይ'የ። ኣለኺ ምሽ... ከምዚ ቀራን ጋል ዓይነት... ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ..."

ስምረት:-  " እንታይ ደኣ'ሞ ጎቦ ጎቦ ኣበለካ: 'ነግራም ኢኺ' ዘይትብል። መዓንጣ የላን መስለኒ: ወድን ፈራሕን ከማን ክጽላኣኒ  መዓት'ዩ።

ምስክር:-   " ሓቅኺ ጥንቁቕ'ምበር ፈራሕ'ሲ ኣነ'ውን ኣይፈቱን።"
ስምረት:-   " እንታይ ደኣ'ሞ ከምዞም ሕልኩሳት ሕልክስክስ ትብል: ክትብሎ ዝደለኻ ድፍር ኢልካ ዘይትዛረብ።?"
ምስክር:-   "ድፍረትስ መዓስ እፈቱ ኮይነ?"

ስምረት:-   "እሞ ኣይ ዉዑይ ኣይ ዝሑል ደኣ ንኹነታት'ምበር ንሰብ ዘይጽቡቕ። 'ፈራሕ ኣይሞተ ደፋር ኣይሞተ                                         ላንጋ ላንጋ ሞተ' ክበሃል ኣይሰማዕካን ድኻ?"

ምስክር:-   ''ፈራሕ ኣይሞተ ተባዕ ኣይሞተ ላንጋ ላንጋ ሞተ' እዩ ዝበሃል። ተደርብሽኪ ሽኮርና"
ስምረት:-  " እንታይ መሊእካላ ማለት'ዩ ሕጂ 'ደፋርን ተባዕን' ኩሉ ሓደ እንድዩ?''
ምስክር:-   '' ኖ ኖ ኖ ኖ... ደፋርን ተባዕን ደኣ በበይኑ'ምበር።
 ደፋር:-   ብዘይ ዓቕምን ምስትውዓልን: ኣብ ዘይእዋኑን ኣብ ዘይቦቱኡን: ብዘይ ስርዓት ባህ ዝበሎ ዝዛረብ ወይ ዝገብር ማለት'ዩ። ብኣበሃህላ ዓድና 'ስዲ'።''

ተባዕ:-  ''ዝዛረቦን ዝገብሮን ዝፈልጥ። ትሑት'ምበር ዘይፈርሕ። ምእዙዝ ግን ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዎ። ዓቕለኛ ግን ከኣ ወሳኒ ማለት'ዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ 'ጅግና' ''
ስምረት:-   ''ካብ አግሪ  መልሓስ ትዕንቀፍ እንድዩ...  ሓቂ ይሓይሽ ግን ክሳብ ክንድዚ ፍልልይ ዘለዎስ ይመስለኒ ኣይነበረን።''

ምስክር:-   ''ብዙሕ አዋን: ንቋንቋና ብንዕቀት ስለ እንርእዮ ንቃላት ትግርኛ ኣይነስተብሕለሎምን። ክንጥቀመሎም እንከለና'ውን ከምኡ።''

ስምረት:-   ''ኣዘራርባኻ ደሓን ትመስል ግን ካብዞም ኣድብዮም ዝጸንሑ ኢኻ መስለኒ?''
ምስክር:-   ''ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ...   ኣቲ  ንስኽስ  ዘይትብልዮ የብልክን: ኣድብዮም ዝጸንሑኸ  ከመይ ዝበሉ እዮም?''
ስምረት:-  ''ኣድብዮም ዝጸንሑ ደኣ...  ኣድብዮም ዝጸንሑ። እዚዶ ነዓኻ ጠፊኡካ?  ምልከት ቋንቋኻ  ኣብ ትግርኛ መቸም  ኣጸቢቐ  ኣረጋጊጸ ኣለኹ።''
ምስክር:-   ''ትሕሽዮ ደኣ... ንናአዳን ጸርፍን መቸም ኣብ ቀረባ ኢኺ። ክበርሃለይ ዝደለኹዎ ግን: ትርጉም ናይቲ ቃል ዘይኮነ: ዕምቆት ናይቲ ሓሳብ'ዩ።''

 ስምረት:-  ''ንሱስ መዓስ ጠፊኡካ ኮይኑ?''
ምስክር:-   ''ስምረት ትሙት...። ናይ ብልበይ  አየ።
ስምረት:-  ''ደ...ፋር ንባዕልኻ ጋ...ሕ  ዘይትብል። አዋ...እ።''
ምስክር:- ''ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ...  ሕጂ ሓቅኺ:  ቁ ...ሩብ ደፊረ። ግን ከም ዘይተረዳኣኒ ንኸረጋግጸልኪ ኢለ እየ። ንገርኒ  ግዳ።
ስምረት:- ''ከምዚ ምሽ ኣለካ.. ክዛረቡ እንከለዉ ዓበይቲ ሰባት ዝመስሉ ግን ውሽጦም ባኮታት:  ወይ ተግባሮም ክፉእ አንከሎ መሳኪን ዝመስሉ ደናኒቶታት...''
ምስክር:-  ሃ  ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ... ሞይተ ሞይተ  ሃ ሃ ሃ  ኣቲ  እንታይ ኢኺ መኽዘን ጸርፊ: ቅሰኒ በሊ ካብኣታቶምሲ ኣይኮንኩን። ደሓር ድማ ብዛዕባ ቋንቋ'ምበር ብዛዕባ ቅንዕናን ተንኮልን ከማን ዘይተዛረብና''

ስምረት:- '' ብኣጠቓቕማ ቋንቋ ዓብሊልናዮ'ምበር ዕላልናስ ንሱ'ዩ። ሓቂ የሓይሽ: ቁሩብ ደፊእካ ምስ ኣዕለልካኒ'ምበር ፈለማስ ቅጭ ኢኻ ኣምጺእካለይ ነይርካ። እንታይ ክገብርከ add ገይረዮ ኢለ  unfriend ክገብረካ'የ ሓሲበ ነይረ። ሙኻን ንሱስ ሕጂ'ውን ዝተርፈካ ኣይመስለንን።''

ምስክር:- '' ተጸሚምኪ ተዕልልኒ ከምዘለኺኮ ይርደኣኒ'ሎ። ክሳብ ክንድዚ ነዓይ ዘጽለኣኪ ምኽንያት ግን ኣይተረደኣንን። እንተዘይተጋግየ ቅድሚ ሎሚ  chat ጌርና ይንፈልጥን። ዶ... ሳክት ኬፍ ምሃብ እየ ኣብየኪ?''

ስምረት:- ''ፍሉጥ'ንድዩ ሓደ ዓይነት ርድኢት ከምዘይብልና። ኣተሓሳስባናን ዕላማናን በበይኑ ሙኻኑ ስለ ዝነጸረለይ ብጥዑይ መንፈስ ምሳኻ ከዕልል ኣይክእልን። ሓደ ዓይነት ሰባት ኣይኮንናን።''
ምስክር:- ''አዋእ..ጌና ብዛዕባ ሓደ ንጹር ኣርእስቲ'ካ ከየዕለልና ኣተሓሳስባናን ዕላማናን ዘይምስናዩ ብኸመይ ፈሊጥኪ ?''
ስምረት:- ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘየብሎም ሰባት ብሓባር ከዛርቦም ዝኽእል ኣርእስቲ የለን። ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ከምዘይብልና ድማ profile picture ናን album ናን ምስክር'ዩ።

ምስክር:- ''እዚ'ሞ ኣብ ሓደ ነገር: ሓደ ዓይነት  ኣረዳድኣ ከምዘይብልና'ምበር ሓደ ናይ ዘይሙኻና መረጋገጽ ኣይኮነን።''
ስምረት:- ''ኣንታ ሓወይ.. ኣረዳድኣና በበይኑ እነተኾይኑ ደኣ'ሞ ሓደ ዝገብረና እንታይ'ዩ?''

ምስክር:- ''ርድኢትና ተፈላልዩ ዘሎ ብሓደ ምክንያት'ዩ። አዚ ማለት ድማ: ንሓደ ነገር ብበበይኑ ኣጠማምታ ስለ ዝተዓዘብናዮ: ርድኢትና ኣብቲ ነገር ብኡ  መንጽር ገፊሑን ተፈላልዩን ክኸውን ይኽእል። ኣነን ንስኽን: ክለተ ሰባት: ርድኢትና ድማ በበይኑ ደኣ ይኹን'ምበር: ክልቴና ናብ ሓደ ነገር ኢና እንጥምት ዘለና። ቅርጽና ድማ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስሉስ ኩርናዕ'ዩ። እንካብ ባህ ዘዝበለና ክልተ ኩርናዓት ንበገስ: ጉዕዞና ናብቲ ዝተረፈ ሳልሳይ ጫፍ'ዩ። ኣብ ውሽጥና ድማ ብዙሓት ስሉሳት ኩርናዓት ኣለዉ። ኣብቲ ጫፍ ንምብጻሕ ዝመረጽናዮ መንገዲ ዝተፈላለየ ደኣ ይኹን'ምበር ርሕቀቱ ማዕረ'ዩ: ጉዕዞ ናይቲ ሓደ ካብቲ ናይ ካልእ ዝናዋሕ ናብቲ ውሽጠዋይ ስሉስ ኩርናዕ ምስ ዝእለ'ዩ።




ስምረት:- እቲ ሓደ ነቲ ኻልእ ብፍላጥ ናብቲ ውሽጠዋይ እንተ ኣእተዎ ወይ ከም ዝኣቱ እንተገብሮኸ?''

ምስክር:- እቲ ከምኡ ዝገብር እቲ ዝዓሸወ'ዩ። ንበይንኻ ከይድካ ንበይንኻ ትነብሮ ዓለምስ ይትረፍ: ትነብረሉ ከተማ  ዑሙር ክነሱ ንበይንኻ ኣብ ጽሙው ገዛ ምቕማጥ ምረቱ ዘየጽተውዓለ'ዩ።
ስምረት:- ''እሞ...  ናብ ሓደ  ቦታ ዝተበገሱ ክልተ ዝተፈላልዩ ሰባት ኢና ማለት'ዩ።''

ምስክር:- ''ኖ ኖ ኖ ኖ  ብፍጹም። ብዝተፈላለየ መንገዲ  ናብ ሓደ ቦታ ክበጽሑ ዝደለዩ ሓደ ዓይነት ሰባት እና።''

ስምረት:- ''ኣነ ግን በዚ ኣይሰማማዕን። ሓደ ዝገብረና አቲ መንገድና'ውን ሓደ ምስዝኸውን እምበር  እቲ ድልየትና ጥራይ  ኣይብልን። ስለዚ ሓደ ክንከውን ናይ ሓዴና ርድኢት ተሳዒሩ ክጎድል ኣለዎ። ሽዑ ሓደ ርድኢት: ሓደ ድልየት ዘለዎም ሓደ ዓይነት ሰባት ንኸውን።''

ምስክር:- ''ኣይፋሉን። ክልቴና ብዘይ ነናትና ርድኢት 2 ዓይነት ሰባት እና። ሓዴና ብዘይ ርድኢት ከኣ  ½ (ጎዶሎ'ዩ።) ክልቴና መምስ ርድኢትና ግን 1(ሙሉእ) ንኸውን።''

ስምረት:- ''ንሙኻኑ ቁጽሪ ተማሂርካ ዶ? ኣነ ግን 1 ምስ 1 ምስ ዝድመር = 2     ካብ ክልተ  1ምስ ዝጎድል ድማ= 1 እየ ተማህረ።''

ምስክር:- ''እዚ ቁጽርታት ክድመሩን ክጎድሉን ከለዉ እትረኽቦ ውጽኢት'ዩ።  ናይ ፍቅር ወይ ናይ ዕላማ መማህራን ድማ ኣሕዋት መምስ ሓሳባቶም ክድመሩ እንከለዉ: እቲ ውጽኢት ኩሉ ግዜ= 1 ይኸውን: እዮም  ዝብሉ። ኣብ ዕላማ 1+1= 1'ዩ።''

ስምረት:-   ''oh my god!  ኣታ ሰዓት ክንደይ ከም ዝኾነ ፈሊጥካ ዶ? በል በል በል ደሓን ሕደር ንጎሆ አየ ክትንስእ: ጽባሕ ናይ ምሸት  online እንተሊኻ ክንራኸብ ኢና።'' profile pictureካ ግን ቀይሮ ሓራይ ዶ?

ምስክር:- ''ንሱ ደኣ'ሞ ምስክር ርድእተይ እንድዩ ብምንታይ ክልለ?  ብዝኾነ ጽባሕ ኣይጥዕመንን። ዝመጽእ ቀዳም ናይ ምሸት ግን ኣለኹ።''

ስምረት:- ''ሓራይ በል ብሩኽ ለይቲ 'ተባዕ' መዓረይ   ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ :-)
ምስክር:- ''ሰላም ለይቲ:  ደፋር ነብሲ  ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ ሃ "



7 comments:

Anonymous said...

nice

Anonymous said...

amlak ybarka tedros nay behaki grum elal kexlo

Anonymous said...

በጃኻ ዝሓወይ ከምዚ ዓይነት ብሱልን ጸግዒ ዘይሓዘን ምኽርታትካ ኣይፈለየና ኣምላኽ ንህዝብናን ዓድናን ይሓልወልና

Anonymous said...

በጃኻ ዝሓወይ ከምዚ ዓይነት ብሱልን ጸግዒ ዘይሓዘን ምኽርታትካ ኣይፈለየና ኣምላኽ ንህዝብናን ዓድናን ይሓልወልና

Anonymous said...

እንታይ ማለትካ ኮን ይከውን ወይይ ሰብ ደቀይ ቀሊል ስራህ አይኮነን እዚ አስማት ግን አይግድን

Anonymous said...

Ganga Nagаr and Ashoka Nagar are the areas come under Hennur.
You can cook with green tea and you сan use it to
make green tea iced-cгeam. It may also help regulate insulin
in thе body, which can be beneficial for diabetics.

my page; green pan

ናጽነት ሓሳባት said...

Plz Go on may God bless you!!🎉✔